ተጻባእቲ ባእታት ብትንግርታዊ ሓሶት ዝምርቕኑ
ንገለ ሰባት መርቂኖም ኣለዉ ክንብሎ ም ከሎና ንግዝያዊ ስሚዒቶም ዘርውይ ታሕጕስ ክረኽቡ ከለዉ ኢዮ። ንኣብነት ከም በዓል ዕጸ-ፋርስ፡ ኣብ casino ብምኻድ ምቑማር፡ ዘስካሕክሕ ኣብ ልዕሊ ሰባት ግፍዒ ምፍጻምን ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ወይ ትካላት ወይ ሃገራት ሓሶት ብምዝርጋሕን ምጽላምን ወይ ምክፋእ ገለ ካብቶም ንደቂ ሰባት ግዚያዊ ታሓጕስ ብምፍጣር ክምርቕኑ ካብ ዝገብሮም ሓደገኛ ነገራት ኢዮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ጠባይ ርእሱ ዝኸኣለ ሕማም ኮይኑ ኣብ ሕብረተሰብ ብዙሕ ማሕበራዊ ጸገማት ከምዘምጽእ ንኹሉ ሰብ ርዱእ ኢዩ። ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ ኣተኩሮ ክንገብረሉ ዘድልይ፡ ብዛዕባ ኤርትር ጽውጽዋይ ወይ ናይ ሓሶት ፈጠራዊ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ብዛዕባ ዝምርቕኑ ሰባት ኢዩ። ሓደ ናይ ቀረባ ኣብነት፡ ብዛዕባ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተዘርግሐ ናይ ቮሊቦል ጠባይ ዘለዎ ናይ ቐትሪ ሕልሚ ዝኾነ ናይ "ሓሶት" ዜና ኢዩ። ናይ ወያኔ ናይ ዜና ማዕከናት፡ ትግራይ ኦን ላይን መርበብ ሓበሬታ (Tigray online)፡ ሬድዮ ኤሬና፡ ሬድዮ ወጋሕታ፥ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካልኦትን ስራሕ ጽ...