ግንባር ጀነቫ       
ገብረ ፍስሓጽዮን (ሆላንድ)

ከምዚ ሕጂ  ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ዝእምቶ፡  ሓድሽ ዝኾነ ሰላሕታ ወራር ብሸነኽ ግንባር ጀነቫ ፈለኽ ይብል ከምዘሎ ኢዩ። ነዚ ብጉልባብ "ሰብኣዊ መሰላት" ዝተኽፍተ ግንባር ንምብዳህ ናይ ኣሻሓታት ኪሎ ሜተራት ጉዕዞ  ክድልይ ኢዩ።
መሰረታዊ ትርጉም ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ክባሃል ከሎ እንታይ ወይ ከመይ ኢዩ? መጀመርታ ሓደ  ህዝቢ  ጽሩይ ማይ፡ መጽለሊ፡ መባእታዊ ሕክምናዊ እጎልጉሎት፡ ዝተረጋግአ ሰላም ምስ ዝህልውን ከምኡውን ማዕረ ዝኾነ ኩለንተናዊ ማሕበራዊ እጎልጉሎት ምስ ዝረክብ ኢዩ መሰረታዊ ዝኾነ ሰብእዊ መሰሉ ተሓሊሉ ክንብል ንኽእል። ንእብነት ክንደይ ሚእታዊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ናይ ጽሩይ ማይ ዕድል ዝረክብ? ኣብ ኤርትራ ዝርግሐ ናይ ጽሩይ ማይ ልዕሊ 85% በጺሑ ኣሎ። ነዚ ድማ ባዕሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ዝኾነ UNDP ዝምስክሮ ኢዩ።
ሃገር ንምክልኻልን ልእላውነት ሃገር ንምውሓስን ከምኡውን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ዘይንቡር ኣካይዳ ምኻድ ናይ ግድን ኮይኑ ክሳብ መሰዋእቲ ዝሓትት ዋጋ ናይ ምኽፋል እጋጣሚ ክህልው ይከኣል ኢዩ። ናብ ዘይንቡር ኣካይዳ ንምኻድ ዝድፍኡ ነገራት ዝተፈላለዩ ተጻብኦታትን እገዳን ኢዩም።
ካብይ ብምብጋስን ንምንታይ ዕላማን እዩ፡ እዚ ብወ/ሮ ሸይላ ዝምራሕ ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮሚሽን፡ ንሰብኣዊ መሰል ንኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ህዝባ ትግህስ ኣላ ብምባል ክጥቀንዋ ዝፍተን ዘሎ። ሓደ ካብቲ ዘገርም ሃገራዊ ኣጎልጉሎት ንዘይተወሰነ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ተናዊሑ ዝብል ኮይኑ፡ ክናዋሕ ዘገደደ መኽንያት ንጎኒ ብምጉሳይ ኢዩ እዚ ክሲ ዝቐርብ ዘሎ። ክአምኡውን ሃገራዊ እገልግሎት ናብቲ ንቡር ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን (18 ኣዋርሕ) ከምዝኾነ ብወግዒ ተፈሊጡ ኢዩ። ህዝቢን መንግስት ኤርትራን ሃገር ናይ ምክልኻል መሰሉ ዝተሓለወ ኢዩ። መሬትና ተጎቢጡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬትና  ኮፍ ኢሉ ልእላዊነት ኤርትራ ተጋሂሱ ኢዩ። ግን ልእላዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ኣይተሓለውን ኢሉ ዓገብ ዝብል ኣይተሰምዔን።
ተጋደልቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ን30 ዓመታት ኣብ በረኻ ምስ ቑሪን ኣሳሒታን ብምንባርን ከምኡውን ጥምየትን ዕርቓንን እናተደረቦም፡ መስዋእቲ ብምኽፋል ክሳብ መዓልቲ ሓርነት (1991) ኣብ ቃልሲ ከለዉ፡ "ሕጂስ ቃልሲ ነዊሕኩም መሰልኩም ክሕለው ኣለዎ፡ክብል ነይርዎምዶ?"  ወይ ክኣ ናጽነትኩም ክትረኽቡ ኣለኩም ክብሉና ክንጽበ ዘይሕለም ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘጋጥሞ ዘሎ በብመድረኹ ዝቐያየር ተጻብኦታት፡ እውጅን ዘይእውጅን እገዳታት፥ ከምኡውን  ተጎቢጡ ዘሎ መሬትና ንምምላስ ክሳብ መስዋእቲ ዝሓትት መኸተና ንምቕጻል ዘይንቡር ኣካይዳ ክንከይድ ክንግደድ ኢና።
ኣብ "ግንባር ጀነቫ" ተኸፊትልና ዘሎ ሓድሽ ወራር ንምምካት ነዊሕ ጉዕዞ ክሓተና ኢዩ። እዚ ብወ/ሮ ሸይላ በ. ከታሩታ ዝምራሕ ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮሚሽን ዘውጽኦ  ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ  ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፥ ነቲ ጸብጻብ ክጽሓፍ መሰረት እተገብረ ን550 ስባት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከባ  መዓስከር ስደተኛታት፡ ብምኻድ ዕቑባ ክሓቱ ዝተቐረቡ ቃል መሕትት ብምክያድ ዝተኣከበ  ሓበሬታ ኢዩ። ኣብዚ ዝመጽእ ሕቶ ስለምንታይ ኣብ መዓስከራት ስደኛታትን ኣብ ተጻባእቲ ኤርትራ  ዝኾና ሃገራት ብምኻድ ቓለ- መሕትት ብምግባር ትሕዝቶ ናይቲ ጸብጻብ ከምዝእከብ ተገይሩ።
ስለምንታይ ነዚ ኣብ ወጽኢ (ዲኣስፖራ) ዝርከብ በኣማኢት ኣሻሓት ዝኾኑ ኤርትራውያን  ክሕተቱ ወይ ቃሎም ከስምዑ መሰል ዘይተዋህቦም? ክምዘፍለጥ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ  ማሕበረ-ኮማትን ህዝባውያን ማሕበራት ብመንገዲ ወከልትን እቢለን ናብ ወ/ሮ ሸይላ ክታሩት ወገዓዊ መጽዋዕታ " ቃልና ክትሰምዒ ክንረኽበኪ ደሊና ኣሎና" ዝብል ዝተፈላለየ መኽንያታት ብምቕራብ ካብ ምርኻብ ወይ ቃል ዝበዝሐ ኤርትራዊ ካብ ምስማዕ ክትሃድም ፈቲና ኢያ።
ኣብ ዲያስፖራ (Diaspora ) ዝነብር ኤርትራዊ ርእይትኡ ንከይህብ ሰብኣዊ  ዲሞክራስያዊ መሰሉ ተገፊፉ ኢዩ። ስለዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ  ግዴታ ኢዩ  ናብ ጀነቫ ብምኻድ ቃሉ ከስምዕን ርእይትኡን ክህብን መሰሉ ምኻኑ ከስምዕ፥ ከምኡውን ነቲ  ብዛዕባ "ምግሃስ ሰብእዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ" ዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት ዘይብሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቀን ንጽጉን ምዅኑ ምግላጽ ከምዘለዎ ኩሉ ዜጋ ዝዝስሕቶ ኣይኮነን፡፡

                           ኣብ ጀነቫ ተኸፊቱ ሓድሽ ግንባር
                           ንኺድ ነመስክር ዕርድና ከምዘይድፈር
                           ድምጽና ነስምዕ መሰል ክኽበር
                                        ዋልታ ምእንታኺ ኣልዒልልናዮ
                                       ንከበረትኪ መሰልኪ  ሽርሕታት መኪትናዮ
                                       ሕድሪ ስማእታ ት ክንትግባር መድብንዮ
                          ክቡር ጅግና ሰላኻ ረኺብና ክብረት
                          ጸላኢ ይፍትን  ክድምሰስ ቕሳነት
                           ልእላውነት ንምውሓስ ግድንት"ዩ ክንምክት
                                      ጀነቫ ሓንሳብ ጽን በልና
                                      ክንነግረኪ ታሪኽ ሃገርና
                                      ተሪርን መሪን ኢዩ ነይሩ ቃልስና
                         ክይሓውየ እቲ ቁሱል ልብና
                         ከምዚ ክትፈድይና
                        ተስፋ ኣይ ቆርጽን ኢዩ ህዝብና
                         ክሳብ መጨረሽታ ቐጻልዩ መኸተና
ዓውት ንሓፋሽ
ገብረ ፍስሓጽዮን

ሆላንድ

Comments

Popular posts from this blog

Het thema van de Eritrese Festival Holland

GEEN MEDISCHE REMEDIE VOOR FOBIE-LIJDERS