Posts

Showing posts from June, 2015

The Eritrean Festival in Holland 2015

Image
Image
ግንባር ጀነቫ        ገብረ ፍስሓጽዮን (ሆላንድ) ከምዚ ሕጂ  ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ዝእምቶ፡  ሓድሽ ዝኾነ ሰላሕታ ወራር ብሸነኽ ግንባር ጀነቫ ፈለኽ ይብል ከምዘሎ ኢዩ። ነዚ ብጉልባብ "ሰብኣዊ መሰላት" ዝተኽፍተ ግንባር ንምብዳህ ናይ ኣሻሓታት ኪሎ ሜተራት ጉዕዞ  ክድልይ ኢዩ። መሰረታዊ ትርጉም ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ክባሃል ከሎ እንታይ ወይ ከመይ ኢዩ? መጀመርታ ሓደ  ህዝቢ  ጽሩይ ማይ፡ መጽለሊ፡ መባእታዊ ሕክምናዊ እጎልጉሎት፡ ዝተረጋግአ ሰላም ምስ ዝህልውን ከምኡውን ማዕረ ዝኾነ ኩለንተናዊ ማሕበራዊ እጎልጉሎት ምስ ዝረክብ ኢዩ መሰረታዊ ዝኾነ ሰብእዊ መሰሉ ተሓሊሉ ክንብል ንኽእል። ንእብነት ክንደይ ሚእታዊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ናይ ጽሩይ ማይ ዕድል ዝረክብ? ኣብ ኤርትራ ዝርግሐ ናይ ጽሩይ ማይ ልዕሊ 85% በጺሑ ኣሎ። ነዚ ድማ ባዕሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ዝኾነ UNDP ዝምስክሮ ኢዩ። ሃገር ንምክልኻልን ልእላውነት ሃገር ንምውሓስን ከምኡውን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ዘይንቡር ኣካይዳ ምኻድ ናይ ግድን ኮይኑ ክሳብ መሰዋእቲ ዝሓትት ዋጋ ናይ ምኽፋል እጋጣሚ ክህልው ይከኣል ኢዩ። ናብ ዘይንቡር ኣካይዳ ንምኻድ ዝድፍኡ ነገራት ዝተፈላለዩ ተጻብኦታትን እገዳን ኢዩም። ካብይ ብምብጋስን ንምንታይ ዕላማን እዩ፡ እዚ ብወ/ሮ ሸይላ ዝምራሕ ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮሚሽን፡ ንሰብኣዊ መሰል ንኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ህዝባ ትግህስ ኣላ ብምባል ክጥቀንዋ ዝፍተን ዘሎ። ሓደ ካብቲ ዘገርም ሃገራዊ ኣጎልጉሎት ንዘይተወሰነ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ተናዊሑ ዝብል ኮይኑ፡ ክናዋሕ ዘገደደ መኽንያት ንጎኒ ብምጉሳይ ኢዩ እዚ ክሲ ዝቐርብ ዘሎ። ክአምኡውን ሃገራዊ እገልግሎት ናብቲ ንቡር ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን (18 ኣዋርሕ) ከ

መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሆላንድ

Image