Posts

Showing posts from March, 2015

ተጻባእቲ ባእታት ብትንግርታዊ ሓሶት ዝምርቕኑ

                                                                                             ንገለ ሰባት መርቂኖም ኣለዉ ክንብሎ ም ከሎና ንግዝያዊ ስሚዒቶም ዘርውይ ታሕጕስ ክረኽቡ ከለዉ ኢዮ።  ንኣብነት ከም በዓል ዕጸ-ፋርስ፡ ኣብ casino  ብምኻድ ምቑማር፡ ዘስካሕክሕ  ኣብ ልዕሊ ሰባት ግፍዒ ምፍጻምን  ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ወይ ትካላት ወይ ሃገራት ሓሶት ብምዝርጋሕን ምጽላምን ወይ ምክፋእ ገለ ካብቶም  ንደቂ ሰባት ግዚያዊ ታሓጕስ ብምፍጣር ክምርቕኑ ካብ ዝገብሮም ሓደገኛ ነገራት ኢዮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ጠባይ ርእሱ ዝኸኣለ ሕማም ኮይኑ ኣብ ሕብረተሰብ ብዙሕ ማሕበራዊ ጸገማት ከምዘምጽእ ንኹሉ ሰብ ርዱእ ኢዩ። ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ ኣተኩሮ ክንገብረሉ ዘድልይ፡ ብዛዕባ ኤርትር  ጽውጽዋይ  ወይ ናይ ሓሶት ፈጠራዊ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ብዛዕባ ዝምርቕኑ ሰባት ኢዩ። ሓደ ናይ ቀረባ ኣብነት፡ ብዛዕባ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተዘርግሐ ናይ ቮሊቦል ጠባይ ዘለዎ  ናይ ቐትሪ ሕልሚ ዝኾነ ናይ "ሓሶት" ዜና ኢዩ። ናይ ወያኔ ናይ  ዜና ማዕከናት፡ ትግራይ ኦን ላይን መርበብ ሓበሬታ (Tigray online)፡ ሬድዮ ኤሬና፡ ሬድዮ ወጋሕታ፥ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካልኦትን ስራሕ ጽዕቕወን ከዕለብጣ እየን  ተራእየን። ብዛዕባ ብሻ  ፈጠራዊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ፡ ከምኡ'ውን ገለ ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ  ቦታታት ኤርትራ ደብዳብ ከምዘካየዳ ዝሕብር፡ ዘይእመንን ዘገርምን ሓበሬታ እናተቃባበላ ክዝርግሓ ቐንየን ኢየን። ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም ከምዝብሃል፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ብዝሑ ትርጉም  ከይተዋህቦ፡ መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም ክባሃል ጥራሕ ኢዩ ዝከኣል።  ኣብ