ተጻባእቲ ባእታት ብትንግርታዊ ሓሶት ዝምርቕኑ

                                                                                            
ንገለ ሰባት መርቂኖም ኣለዉ ክንብሎ ም ከሎና ንግዝያዊ ስሚዒቶም ዘርውይ ታሕጕስ ክረኽቡ ከለዉ ኢዮ።  ንኣብነት ከም በዓል ዕጸ-ፋርስ፡ ኣብ casino  ብምኻድ ምቑማር፡ ዘስካሕክሕ  ኣብ ልዕሊ ሰባት ግፍዒ ምፍጻምን  ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ወይ ትካላት ወይ ሃገራት ሓሶት ብምዝርጋሕን ምጽላምን ወይ ምክፋእ ገለ ካብቶም  ንደቂ ሰባት ግዚያዊ ታሓጕስ ብምፍጣር ክምርቕኑ ካብ ዝገብሮም ሓደገኛ ነገራት ኢዮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ጠባይ ርእሱ ዝኸኣለ ሕማም ኮይኑ ኣብ ሕብረተሰብ ብዙሕ ማሕበራዊ ጸገማት ከምዘምጽእ ንኹሉ ሰብ ርዱእ ኢዩ።

ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ ኣተኩሮ ክንገብረሉ ዘድልይ፡ ብዛዕባ ኤርትር  ጽውጽዋይ  ወይ ናይ ሓሶት ፈጠራዊ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ብዛዕባ ዝምርቕኑ ሰባት ኢዩ። ሓደ ናይ ቀረባ ኣብነት፡ ብዛዕባ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተዘርግሐ ናይ ቮሊቦል ጠባይ ዘለዎ  ናይ ቐትሪ ሕልሚ ዝኾነ ናይ "ሓሶት" ዜና ኢዩ። ናይ ወያኔ ናይ  ዜና ማዕከናት፡ ትግራይ ኦን ላይን መርበብ ሓበሬታ (Tigray online)፡ ሬድዮ ኤሬና፡ ሬድዮ ወጋሕታ፥ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካልኦትን ስራሕ ጽዕቕወን ከዕለብጣ እየን  ተራእየን። ብዛዕባ ብሻ  ፈጠራዊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ፡ ከምኡ'ውን ገለ ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ  ቦታታት ኤርትራ ደብዳብ ከምዘካየዳ ዝሕብር፡ ዘይእመንን ዘገርምን ሓበሬታ እናተቃባበላ ክዝርግሓ ቐንየን ኢየን። ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም ከምዝብሃል፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ብዝሑ ትርጉም  ከይተዋህቦ፡ መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም ክባሃል ጥራሕ ኢዩ ዝከኣል።

 ኣብ  ኤርትራ ንዘሎ ህሉው ኩነታት ካብ 52 ሃገራት እፍሪቃ ካብ ዘሎ ኩነታት ከም ሓንቲ ደሴት ፍሉይ ኣቢልካ  ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት፥ መደባት  ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ስደት መንሰያት ካብ ሓቂ ብምህዳም ትንግርታዊ ዝኾነ ክእመን ዘይክኣል  ናይ ፈጠራ ጽውጽዋይ ዝዝርግሑ ኢዮም። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ኣፍሪቃ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ክነሱ፡ ካብ ኣብ ድቡብ ሱዳን ኬንያ ማሊ ብፍላይ ከኣ ኣብ ናጀርያ ካብ ዘሎ ኩነታት ዝኸፍእ ምዅኑ ገርካ ክቕርብ ተፈቲኑ ኢዩ።

 ናይ ኤርትራ ተጻባእቲ ባእታታት ኣብ ሰለስተ ክንከፍሎም ይከኣል ኢዩ።  1, ናይ ሞዕራብ ሃገራት ናይ ዜና ማዕኸናት 2. ናይ ስርዓት ወያነ ናይ ዜና ማዕኸናት 3. ናይ ኤርትራ "ደምበ ተቍወምቲ" እና በሃልቲ እዮም። ሽሕ'ኵ ደረጃኦም ዝፈላለ እንተኾነ፡ ኣብ ዕላማኦም ግን ምምስሳል ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ናይ ምዕራብ ዜና ማዕኸናት ንጹር ዕላማ፡ ኣባራዒ፡ኣናዓቢን ኣራሳሳኒን ዝኾነ ዘይርጉጽነት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣብ መንጎ ህዝቢ ጎንጺ ንምፍጣር ኢዩ። ብድሕሪኡ እቲ ዝደልይዎ ሰርዓት ምትካል ኢዩ። ናይ ስርዓት  ወያኔን እቶም  ብነዳዲ ወያነ ዝንቀሳቀሱን ወያኔ ኣብ ዝተኸሎ ጕይላ ዝስዕስዑ ናይ ኤርትራ ደምበ ተቍወምቲ ኢና ባሃልቲ ሓደ ዓይነት ሕማም ኢዩ ዘለዎም። ብርቱዕ ናይ ኣእምሮ  ሕዱር ሽግር ስለዘለዎም ልክዕ ከም ካብ ሞርፊን ዝተሰርሐ  ዘደቅስን ቃንዛ ዘዝሕልን ፈውሲ መተካእታ ገይሮም ዝርእይዎ (ዝወስድዎ) 'ብዛዕባ ኤርትራ ናይ ፈጠራዊ ናይ ሓሶት ሓብሬታ ምዝርጋሕ ኢዩ።

ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ ኤርትራ  ጸለመን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ንኣእምሮኦም ዜደንዝዝ ወይ ዜዘናብል  ብቐሊሉ ዘይገድፍ ወልፊ ብምጥራይ  ንኤርትራ ገንሸል ብምግባር ክምርቕኑን ቃንዝኦም ክርስዑ ወይ ክዘሓሕሉ  ይፍትኑ። ከምዚ ዓይነት ሕማም (ካብ ኢቦላ ዝኽፍአሕማም) ክልተ ሸውዓተ ብምሕጻብ ዝሓውይ ኣይኮነን።

እዚ ክሉ ፈተነ ንምንታይ ኢዩ? እዚ ኣንጻር ቁጠባዊ መደባትናን ነጻ መስመርናን ዝቕንዔ ሕሱር ፈተነ ኢዩ።ሎሚ'ውን ከም ትማሊ ኩሉ ሽርሕታትን ዘይሕጋዊ እገዳን ፈተነ ተነጽሎ ዝፈሸለ፡ ሳላ ኩሉ ህዝቢ ዝሳተፎ ጥሙር መኸተን ንዝመጸ ሓደገኛ ንፋስ ክገትኦ ኢዩ።

ህዝብን ኤርትራን መንግስትን ክኾርዓሎምን ክሕበነሎም ዝኽእሉን ንካልኦት ሃገራት ከገርሙ ዝኽእሉ፡ ብዙሓት ናይ ልምዓት መደባት ተሳላሲሎም ኢዮም። ኣብ ልምዓት ብምትኵር፡ ነዞም ዝምርቕኑ ወይ ናይ ፈጠራ ወሬ ክፍጥሩ ብቕትሪ ዝሓልሙ ካብ መንገዲ እልይ ኣንዳኣበልና፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ዝተራእየ ጅግንነትን ጽንዓትን ሕጅውን ኣብ ምሕያል ሃገራዊ ጥምረትን ምዕዋት መደባት ልምዕትን ቃልሲና ምቕጻል ጥራሕ ኢዩ ዘድልየና።

ዓወት ንሓፋሽ

ብገብረ ፍስሓጽዮን (ሆላንድ)

Comments

Popular posts from this blog

Het thema van de Eritrese Festival Holland

The 28th Anniversay of Fenkil Operation will be celebrated in Amsterdam

GEEN MEDISCHE REMEDIE VOOR FOBIE-LIJDERS